Kale'ya Xebah Lyrics
- Genre:Pop
- Year of Release:2021
Lyrics
ንብዓትኪ ክዘንብ ከም ማይ ኣይሂ ኮይኑ
ልብኺ ብሓዝን ምስልኺ ደዊኑ
ተስፋ ሓቦ ጽንዓት እምነት ተቐኒትኪ
ከምታ ናይ ኖህ መርከብ ጉዕዞኺ ቀጺልኪ
ከመይ ኪኢልክዮ ምቃለይ ነቲ ማዕበል ሽግር
ከመይ ሰጊርክዮ ሓላለይ ነቲ ጸላም መዋጥር
እቲ'ኳ ንስኺ ኮይንኪ ንኹሉ ጼርክዮ
ስደትን ጥልመትን ብሓደ ኪኢልክዮ
እቲ 'ኳ ንስኺ ኮይንኪ ንኽሉ ጼርክዮ
ዓይንኺ ና'ነብዐ ፍሽኽ ኪኢልክዮ
እንታይ ዳኣ ኮይኖም ኣብ ሕሉፍ ዝኣምኑ
ስምኪ እንዳ 'ልዓሉ ብኡ ዝጽየኑ
ሕሉፍ ማኣስ ኮይኑ ናይ ወዲ ሰብ መምዘኒ
ዝነበርክዮ ዘኪሮም ዝሕሰሙ ፍቕሪ
ኣጆኺ በጃኺ ኣይትበሊ 'ዶ ዓሕ
ሂወትኪ ትቕይር ካልእ 'ያ ጽባሕ
ኣጆኺ በጃኺ ኣይትበሊ 'ዶ ዓሕ
ሂወትኪ ትቕይር ካልእ 'ያ ጽባሕ
ንብዓትኪ ድረዚ ዉሽጥኺ ካይ'ህሰ
ኣብ ሕሉፍ ዳኣ'ሞ መን'ከ ዘይ'ኣበሰ
ኣብ ትሕቲ ዛ'ጻሓይ ኣብ ልዕሊ ዛ'ምድሪ
ግድን'ዩ ክህሉ ኪናት ኣንጻር ፍቕሪ
መን ኣሎ ካብ ሰማይ ኮኾብ ዘውረደ
መን'ከ 'ሎ ኣብ ሕሉፍ ሕማቕ ዘይ'ሰነደ
ንሱ ግን ሕሉፍ'ዩ ከም ምዉት ይቆጸር
ዓለምና ንርኣያ ብሓዱሽ መነጸር
ንሱ ግን ሕሉፍ'ዩ ኣብ ሎሚ 'ዶ ንንበር
ብምዕቡል ሓሳባት ዓለምና ትቀየር
ኣጆኺ በጃኺ ጌጋ ኣይኮነን ኣበር
ኣጆኺ በጃኺ ኣብ ሕሉፍ ነይ'ንበር
ኣጆኺ በጃኺ ጌጋ ኣይኮነን ኣበር
ኣጆኺ በጃኺ ከምኡ እንዲዩ ምንባር
ኣንቲ ኮኾብ ሰማይ
ኣንቲ ብራቕ ጻሓይ
ኣይትበሊ 'ዶ ዓሕ
ካልእ እንዲያ ጽባሕ
ኣይትንብዒ ሳሓቒ
ሕሱም ናብራ ነብስኺ በላዒ
ደጊም የለን ዘማታኣኪ
ሓሊፍክዮኺ ጭንኪ
ሓሊፍክዮኺ ጭንኪ የሕሊግክዮ
በቃ በቃ በቃ በቃ ኣይንኺ ኣይንባዕ
በቃ በቃ በቃ በቃ ሕሉፍኪ ይረሳዕ
በቃ በቃ በቃ በቃ ጣዕሳ ኣወግዲ
በቃ በቃ በቃ በቃ ነብስኺ ፍቐዲ