
Zemen'yu (Eritrean Music) Lyrics
- Genre:Afrobeats
- Year of Release:2025
Lyrics
ኦኦኦኦኦኦኦኦኦኦኦ ይይይይይይይይ
ምስ ዘመን እዩ ባእሰይ
ናበይ እዩ ናበይ እዩ ዝብል እዚ ዘመነየ
ነፋሒቶ ዶ ክንብሎ ወይ ተመን
ሙኳን ድዩ ምምሳል እዩ ዝእመን
ፍቅሪን ሓቅንሲ ፍቅሪን ሓቅንሲ
ብከቢድ ሓሚመንየ
ኣሆይይይይይይይይይይይ
ኣነ እንዳ ራሃጽኩ ተድላ ጸሚእኒ
ሰባት ድማ ኣርኪቦም ዘይ ሽመይ ይህቡኒ
ኣነ ዳ ላህላህኩ ዓቀብ ተሪሩኒ
ሰባት ብጊድኦም ሃሩር ይኮኑኒ
ታይ ግበር ይቡሉኒ
ታይ ግበር ይቡሉኒ
ወይ ወይ ወይ
ታይ ግበር ይቡሉኒ
ልበይ ኣብ ሞጎጎ
ምስ የዕጫው ከቲቱ
ሓሶት ብ ኣቋራጭ እንጀራ ሰንኪቱ
ድሓን ድላዩ ይበል
ድሓን ድላዩ እስከ ይበል
ኣፉ ዝከፈተ
ውዕለተይ ከይርኢ ዓይኑ ዝዓመተ
እወ ድሓን ድሓን ድላዩ እስከ ይበል
ጸላም ዝጋረዶ ን ጫካ ጽቡቀይ
ብ ኣፉ ዘንድዶ
ኣነ ድኣሞ ክብርን እምነትን ክግዘም
ኣነ ድኣሞ ዉቃይኖስ ረብሓ ይሕሰም
ዘይከተርክዎ ክመልስ ኣይ ኣግጅፈ እንድየ ዘኮልስ
ኣነ ድኣሞ ሓጹር ክዘልል ትምኒተይ
ኣነ ድ ኣሞ ሕንቁቅ ጌረዮ ጸሎተይ
ነብርን ኢራብን ክዓርቅ ካብ ሕልመይ
ጥበብ ይሰርቅ
መን እሞ መን እሞ
ብርሃነይ ክጻረር
ጸላም ምስ ዓጎገ ክነግሰለይ
መን እሞ መን እሞ
ንኸይ ዳናበር ሓንቲ ፍረ ሽምዓ ወሊዑለይ
መን እሞ መን እሞ
በርቂ ዝዓጀቦ ዝናብ ምስ በረዱ ክዘንበኒ
መን እሞ መን እሞ
ንእሽተይ ልቢ ኣዕብዩ
ጨርቂ ጽላል መኒኑ ሂቡኒ
ደርብ
ወይ ወይ
ናይ ትጉሃት ሕልሚ ሰማይ ኳሕኲሑ እንከይ ተጋህደ
ናይ ሃካያት ጎጎ ጽጉብ ከጽግብ እንተ ረጎደ
ዝዘርኦ ክዓጽድ ኣብ ጫፍ እዩ ዝነግስ ቁኑዕ ሰብ ከም ዳማ
ተዘይተሓሊሉ ኢዱ እንተዘይ ሂቡ ምስ ዶንጎየ ጻማ
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን ይጓዓዝ ኣለኩ ብ ሓቦን ትዕግስትን
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን ክሳብ ዝስቆሮም ደጋጊመ ይፍትን
ንሓሶት ከም የዕዋፍ መብረሪ ክንፊ እንተ ሃለዋ
ሓቂ ዉን ብለመም ትበጽሖ ርግጽ ጫፍ ኣለዋ
ኣነ ዝበለካ ስምዓኒ
ወይ ጭብጢ ኣምጺካ ርትዓኒ
ተዘይ ነፊሩ ጥራይ እየ
ዝኣምነካ ጤል ኢልካኒ
ሹዑ እዉን እኮ መርሚረ
በጊዕ ከይ ከዉን ጠርጢረ
ምስ ዓይነ ልበይ ሓቢረ
ልክዕ ዝብለካ ደፊረ
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን
ይጓዓዝ ኣለኩ ብ ሓቦን ትዕግስን
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን
ክሳብ ዝስቆሮም ደጋጊመ ይፍትን
ንፍቅርን ሰላምን ለይትን መዓልትን
እንዳ ዘመረት ነብሰይ
ምስ ተዓዘብኩዎ ክነዉሕ ለይተይ
ክዉሕድ ድቃሰይ ኣይትቀየሙለይ
ንከዉሒ ከስምዕ ዓዉ ኢለ ምክሳሰይ
ካብ ቂምታ ሓራ እየ ምስ ሰባት ዘይኮነ
ምስ ዘመን ዩ ባእሰይ
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን ይጓዓዝ ኣለኩ ብ ሓቦን ትዕግስትን
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን ክሳብ ዝስቆሮም ደጋጊመ ይፍትን
ንሓሶት ከም የዕዋፍ መብረሪ ክንፊ እንተ ሃለዋ
ሓቂ ዉን ብለመም ትበጽሖ ርግጽ ጫፍ ኣለዋ
ኣነ ዝበለካ ስምዓኒ
ወይ ጭብጢ ኣምጺካ ርትዓኒ
ተዘይ ነፊሩ ጥራይ እየ
ዝኣምነካ ጤል ኢልካኒ
ሹዑ እዉን እኮ መርሚረ
በጊዕ ከይ ከዉን ጠርጢረ
ምስ ዓይነ ልበይ ሓቢረ
ልክዕ ዝብለካ ደፊረ
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን
ይጓዓዝ ኣለኩ ብ ሓቦን ትዕግስን
ኣነ ግን ኣነ ግን ኣነ ግን
ክሳብ ዝስቆሮም ደጋጊመ ይፍትን