
HIWETEY EHIBEKA ሕይወተይ እህበካ ft. Feruz Semere Lyrics
- Genre:Gospel
- Year of Release:2022
Lyrics
ሕይወተይ እህበካ
ሕይወተይ እህበካ ብፍታው ብድሌተይ
ንስኻ ክትከብረሉ መጻኢ ዘመነይ
እንሆ ውሰዶ እንካ ሕይወተይ ነዓኻ
ፈትየ እውፍየልካ ዘመነይ ነዓኻ
1 አይደልን'የ አነ ሕይወተይ ክኸፋፍሎ
ናብ ክልተ ሰለስተ ክመቃቕሎ
ንስኻ ጥራሕ እቶ ንበረሉ ንቤተይ
ብርሃንካ ምልአዮ ኢኻ ባርኮ መአደይ
የሱሰይ ጥራሕ እቶ ንበረሉ ንቤተይ
ብርሃንካ ምልአዮ ኢኻ ባርኮ ዘመነይ
2 ፍጹም ኣይደል'የ ሕይወተይ ክመቃቕሎ
አይምውቕ አይዝሑል ልቡጥ ክገብሮ
አነስ መሪጸካ ሕይወተይ እህበካ
በቲ ቅዱስ መንፈስካ አምስለኒ ነዓኻ
አነስ መሪጸካ ዘመነይ እህበካ
ብፍታውይ ኢየሱስ እነኹ እምልኸካ
3 ካባይ እቲ ትደሊዪ ክኾነልካ እቲ ትብህጎ
ኣሰርካ የሱሰይ ንክኽተሎ
በቲ ቅዱስ ቃላትካ ምርሓዮ ንሕይወተይ
ይመስክር የገልግልካ ኩሉ ሰብነተይ
በቲ ቅዱስ መንፈስካ ምርሓዮ ንሕይወተይ
ክምስክረልካ ብትብዓት ንሙሉእ ዘመነይ
እንካ ውሰዶ እንካ ዝልበይ ንስኻ
ፈትየ እውፍየልካ ሕይወተይ ነዓኻ
ሕይወተይ ነዓኻ ይኹን ሕይወተይ
ዘመነይ ነዓኻ ይኹን ዘመነይ
ንስኻ ትኸብረሉ ነጊስካ ትረኣየሉ
ፍትወይ ትምዕርገሉ ከቢርካ ትረኣየሉ
ኢየሱሰይ ትኸብረሉ ነጊስካ ትረኣየሉ
አምላኸይ ትነግሰሉ ዓቢኻ ትረኣየሉ።